ናብ Inburgeren Werkt (ውፅኢታዊ ምውህሀድ) እንቋዕ ብደሓን መፃእኹም
Inburgeren Werkt፣ ኩነታት ዘለዎም ሰባት ብዝሓሸ መልክዑ ንኽወሃሃዱን ብኢኪኖሚ ዓርሶም ንክኽእሉን እናተምሃሩ፣ ናይ ስራሕ ልምዲ ንኽረኽቡን ቋንቋ ክእለት ንኸመዕብሉ ዘኽእል መደብ እዩ፡፡ ኩነታት ዘለዎም ሰባት፣ ጥቕሚ እንዳተቐበሉን ቋንቋ ደች ብቕልጡፍ እንዳተምሃሩ ኣብ ዝመረፅዎ ትካል ን 9 ኣዋርሕ ብሰሙን ካብ 8 ክሳዕ 24 ሰዓታት እናሰርሑ ልምዲ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዝጠቅም ተወዳዳራይነትን ክእለትን የመዕብሉ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዝህልዎም ዕድል ክውስኽ ይገብር፡፡
ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ርእሲ ምረፁ፡፡