ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

ኣጠቃላሊ

Inburgeren Werkt (ውፅኢታዊ ምውህሀድ) እንታይ እዩ?

ብ Inburgeren Werkt ኩነታት ዘለዎም ሰባት፣ ጥቕሚ እንታደቐበሉን ቋንቋ ደች ብቕልጡፍ እንዳተምሃሩ ኣብ ዝመረፅዎ ትካል ን 9 ኣዋርሕ ብሰሙን ካብ 8 ክሳዕ 24 ሰዓታት እናሰርሑ ልምዲ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ ኣብ ትልሚ ምውህሃድን ተሳትፎን (PIP) መሰረት ብምግባር እቲ ዓሚል ካብቲ ዝተነፀረ እዋንን ሰዓትን ክነፅር ይኽእል እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብቲ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ዝጠቅም ተወዳዳራይነትን ክእለትን የመዕብሉ፡፡

ንምንታይ Inburgeren Werkt?

እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ምውህሀድ ፖሊሲ ኣይሰርሕን ዘሎ፡፡ እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብ 2020 ክግምገም እዩ፡፡ ናይ ሚንስተር ኮልሜስ ሓድሽ ፖሊሲ እቲ ቁፅፅር ናብ ኢድ እቲ ምምሕዳር ከተማ መሊሱ የእትው፡፡ Inburgeren Werkt ምስዚ ፖሊሲ ይተኣሳሰርን ብተመሳሳሳሊ ድማ ቋንቋን ናይ ስራሕ ክእለት ንምርካብ ሓድሽ ትልሚ ዝሓዘ እዩ፡፡  እቲ ዕላማ ድማ ኣብዚ ኩነታት ውሽጢ ዘለው ሰባት ብስራሕ ምደባ ኣቢሉ ናብ ስራሕ ምእታው እዩ፡፡ ብተወሳኺ ድማ እዚ ኩነታት ዘለዎም ሰባት ቋንቋ ንኽመሃሩ የኽእል፡፡

ኩነታት ዘለዎ እንታይ?

ኩነታት ዘለዎም ሰባት ናይ መንበሪ ፈቓድ (ፈቓድ ዘለዎም) ዘለዎም ዑቕባ ሓተትቲ እዮም፡፡ እዚ ድማ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝገብርዎ ፃንሒት ሕጋዊ ይገብሮን ከምኡ ድማ ከም ዜጋታት ደች ተመሳሳሊ ዝኾነ መሰልን ግቡእን ይህቦም፡፡

ናይ ስራሕ ሰዓትን ንውሓት እቲ ምደባ ተለዋዋጢ ድዩ?

እወ፣ እቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ብመሰረት ናይ ምውህሀድን ተሳትፎ ትልሚ ሰዓትን እዋን ንውሓት ክንኪ እንተድኣ ወሲኑ እዩ፡፡ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ብሰሙን ካብ 8 ሰዓት ዝነኣሰ ክሰርሕ የብሉን፡፡  

Inburgeren Werkt ኣቀዲምካ ክቋረፅ ይኽእልዶ?

እወ፣ እቲ ናይ ስራሕ ምደባ ን9 ኣዋርሕ ክፀንሕ ትፅቢት ዝግበር እንትኾነኳ፣እቲ ዘሰልጥን ትካልን ተሳታፍን ቅድሚኡ ከቋርፁ ከም ዝደልዩ ከፍልጡ ይኽእሉ እዮም፡፡ እዚ እንተድኣ ተፈፂሙ ብ ኣቢልካ ብፅሑፍ ናብ ኣገልግሎት Inburgeren Werkt ክበፅሕ ይግባእ info@inburgerenwerkt.nl፡፡  ብኽብረትካ እቲ ምምሕዳር ከተማን እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ብግልፂ ኣነፅር፡፡ መዘከርታ፡ እዚ ሽዑንሽዑ ክፍፀም ስለዘይክእል፣ ፅቡቕ ኣብ ዝኾነ እዋን ክሕበር ኣለዎ!

ኣቐዲምካ ስራሕ ብኸመይ ይቋረፅ?

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ወይ እቲ ዘሰልጥን ትካል ናይ ስራሕ ምደባ ኣቐዲሙ ክስርዝ እንተድኣ ደልዩ ክፍፀም ይኽእል እዩ፡፡ ናይቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ተቖፃፃሪ ወይ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ን Inburgeren Werkt ብኢሜል Inburgeren Werkt ኣቢሉ ውዕሊ ከቋርፅ ከም ዝደለየ እንተድኣ ገሊፁ፡፡ እቲ ናይ ኢሜል ኣድራሻ እዩ info@inburgerenwerkt.nl፡፡ መዘከርታ፡ ኣቐዲምካ ንምቁራፅ ፈለማ ምስ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ክዛተ ይግባእ!

ናይቲ ኣገልግሎት ትካል ድማ ናይ ምቁራፅ ከይዲ ይፍልም፡፡ ናይ መወዳእታ ናይ ስራሕ ዕለትን ምኽንያትን ዝሓዘ ምልክታ ንናይ ዓማውል ኣማሓዳርን እቲ መሰልጠኒ ትካል ይወሃብ፡፡ እቲ ዝርዝር ተመሊኡ ምስተረጋገፀ፣ እቲ ኩነታት ዘለዎን ናይቲ ስልጠና ዝህብ ትካል ሕጋዊ ወኪል ብዲጂታል መንገዲ ንኽፍርሙ ናይ ውዕሊ ምቁረራፅ ይለኣኸሎም፡፡

ናይ ስምምዕነት ምቁራፅ ኣብነት ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል፡፡ ናይቲ ስዒቡ ዝመፅእ ናይ ምቁራፅ ከይዲ ብኢሜል ኣቢሉ ንቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ፣ ኩነታት ዘለዎ ሰብን ዘሰልጥን ትካል ይበፅሕ፡፡
 

እዚ ሕቶ ሒዘ ናበይ ክኸይድ ይኽእል (እዚ ኣብዚ ኣየጠቓልልን)?

ብዛዕባ Inburgeren Werkt ንምሕታት ዝተፈላለዩ መንገድታት ኣለው፡፡ ብኢሜል፡ info@inburgerenwerkt.nl፣ ብትዊተር: @Inburgerenwerkt፣ ብ ፌስቡክ፡ Inburgenwerkt፣ ብ ሊንክዲን፡ Inburgerenwerkt ወይ ብስልኪ: +31 (0)88-4600500፡፡ ኣብ ውሽጢ 24 ናይ ስራሕ ሰዓት ምላሽ ንምሃብ ፃዕሪ ንገብር፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ሕቶ እንተድኣ ኣለዎ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ንቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ክሓትት ይኽእል፡፡

Bekijk meer vragen

Bekijk minder vragen

ኩነታት ዘለዎም

ኩነታት ዘለዎ ሰብ ን Inburgeren Werkt መዓዝ ብቑዕ ይኸውን?

ን Inburgeren Werkt ብቑዕ ንምኳን፣ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ እዞም ዝስዕቡ ኩነታት ከማልእ ይግባእ፡፡

• ናይ መንበርን ናይ ስራሕ ፈቓድ ክህልዎ ይግባእ;

• ካብተን ዝሳተፋ ምምሕዳር ከተማታት ኣብ ሓዲአን ዝነብር;

• ናይቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪኡ ንኽሳተፍ ፈቓድ እንተድኣ ሂብዎ፡፡

ናይቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ከተማ/ምምሕዳር ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ እንተዘይተገሊፁ ኸ?

እቲ ምምሕዳር ከተማ እንተዘይተጠቒሱ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ መደብ Inburgeren Werkt ርክብ የብሉን ማለት እዩ፡፡  ኩሎም ተሳተፍቲ ምምሕዳር ከተማታት ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ተጠቒሶም እዮም፡፡ ድልየትኩም ንምግላፅን ናብ መደብ Inburgeren Werkt ኣቓልቦ ንኽገብሩ ንቲ ምምሕዳር ከተማ ክትሕብሩ ትኽእሉ፡፡

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብ ካልእ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ዝርከብ ትካል ክሰርሕ ይኽእል ዶ?

እወ፣ እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብተን ተሳተፍቲ ከተማታት ክህሉ ይግባእ፡፡ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ዝነብረሉ ከተማ ዘሎ ምምሕዳር ይትግበር፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ምምሕዳር ከተማታት ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡፡

ኩነታት ዘለዎ ሰብ ቋንቋ ተዘይክኢሉ ኣብ Inburgeren Werkt ክሰርሕ ይኽእል ዶ?

እወ፣ እቲ ኩነታት መሰረት ብምግባር እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ክሰርሕን ኣብ ዝተሓለወ ከባቢ (ንኣብነት መሕደሪ ዘለዎ ሰራሕተኛ) ቋንቋ ክመሃር ይኽእል እዩ፡፡ 

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ Inburgeren Werkt እንተድኣ ተጠቒሙ ናይ ድሕንነት ጥቕሚ ዶ ይስእን?

ኣይፋል፣ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብቲ ናይ ስራሕ ምደባ እዋን ናይ ድሕንነት ጥቕምታት ምርካቡ ይቕፅል እዩ፡፡

እቲ ፈቓድ ዘለዎ ናይ በዓል ዕረፍቲ ኣለዎዶ፣ እንተድኣ ኣለዎ መዓዝ ክወስድ ይኽእል?

ናይ በዓላት መጠን ኣብቲ ሓበራዊ ናይ ስራሕ ስምምዕ ወይ ናይ ስልጠና ትካል መምርሒ መሰረት ይገብር፡፡  ሓበራዊ ናይ ስራሕ ስምምዕ ወይ ናይ ትካል ሕጊ እንተዘይሃልዩ፣ እቲ ዝፍቀድ ዝነኣሰ መጠን በዓል (ብዓመት 4 ናይ ስራሕ ሰሙናት) ክትትል ክግበረሉ ይግባእ፡፡

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ምስ Inburgeren Werkt እቲ ትካል ኣበይ ትረኽቦ/ይረኽቦ?

እቲ ሓሳብ፣ እቲ ኩነታት ዘለዎን ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ንናይ ስራሕ ምደባ ዓርሶም ይእልሹ፡፡ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብ ዝኾነብሰሙን ካብ 8 ክሳዕ 24 ሰዓት ምደባ (ገለገለ ክፍቀድ ዝኽእል እቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ተፈቒዱ) ኣብ ዝህብ ትካል ምስ Inburgeren Werkt ክሰርሕ ይኽእል፡፡ ብተወሳኺ ድማ እቲ ትካል ክትትል ክገብር ይግባእ፡፡  ኩነታት ዘለዎም ሰባት ዝእልሹ ትካላት ኣብ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታኣብ ዝብል መርበብ ሓበሬታና ብናፃ ክምዝገቡ ይኽእሉ እዮም፡፡

ኩነታት ዘለዎ ሰብን ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ኣብ Inburgeren Werkt ብኸመይ የመልክቱ?

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ዘሰልጥኖ ትካል እንተድኣ ረኺቡ፣ እቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ብ‹‹ኩነታት ዘለዎ ምምዝጋብ›› ኣቢሉ ክምዝገብ ይኽእል፡፡

ኩነታት ዘለዎም ሰባት ክንደይ ግዘ ኣብ Inburgeren Werkt የመልክቱ?

እዚ ምስ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ብምትሕብባር ዝውሰን እዩ፡፡

ናይ ከይዲ ክትትልን ገምጋም እንታይ ይመስል?

ኣብቲ ዝተመዝገበ ለውጢ ንምምያጥ ናይ ለውጢ ገምጋም በብሰለስተ ኣዋርሕ ይካየድ፡፡ ኣብዚ ድማ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ፣ ዘሰልጥን ትካልን ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ይሳተፉ፡፡

ናይ ስራሕ ምደባ ስምምዕ እንታይ ይመስል?

ናይ ስራሕ ምደባ ስምምዕ ኣብነት ኣብ መርበብ ሓበሬታና ኣብ ናይ ስምምዕ ናሙና (ኣብ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት) ኣብ ዝብል ትረኽብዎ፡፡

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብ መወዳእታ ዲፕሎማ ይረክብዶ?

ዲፕሎማ እንተዘይኮነ፣ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ብቐፃሊ ክሕግዞ ዝኽእል ሰርትፍኬት ይረክብ፡፡ ኣብቲ ሰርትፍኬት፣ እቲ ትካል እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣበየናይ መስመር ከም ዝሰርሐን ከም ሰራሕተኛ መሳርሕቲ ባዕሉ ከም ዘብቀዐ ይገልፅ፡፡

እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብ Inburgeren Werkt እንዳሃለወ ኣብ ካልእ ስራሕ ከመልክት ይኽእልዶ?

እወ፣ እቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ፍቓድ እንተድኣ ሂቡ፡፡ ብዚ እንተድኣ ተሰማማዕኻ/ኺ፣ ካልእ ስራሕ እንተድኣ ረኺብካ/ኪ ብቑልጡፍ Inburgeren Werkt ይቋረፅ፡፡

ገለገለ ናይ መርበብ ሓበሬታና ትሕዝቶ ንምንታይ ኣይተተርጎመን?

ሰባት ደች ንኽመሃሩ ንምብርትታዕ፣ ንኹሉ ከባቢ ከባብያዊ ቋንቋ ኣይነቕርብን (ንኣብነት ናይ ክፍቲ ስራሕ ቦታ ዳታቤዝ)፡፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዘሎ ቀንዲ ትሕዝቶ ተተርጊሙ እዩ፡፡ ተወሳኺ ሓገዝ እንተድኣ ደሊኻ፣ ብኽብረትካ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪኻ ርኸብ፡፡

Bekijk meer vragen

Bekijk minder vragen

ኣስራሒ

Inburgeren Werkt ንሰራሕተኛታት እንታይ ማለት እዩ?

ንቲ ኣስራሒ፣ Inburgeren Werkt ማለት ብቐሊል መንገዲ ሰራሕተኛ ናይ መርከቢ ዕድል እዩ፡፡ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ዝምጥኖ ትካል ንምርካብ ምስ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ ስለ ዝሰርሕ፣ እቲ ኣስራሒ ምስ ንጡፋትን ተስፋ ዘለዎም ሰባት ይሰርሕ፡፡ ኣስራሒ ዘውፅኦ ዝኾነ ዓይነት ወፃኢ የለን፡፡ ብርግፅ፣ ንቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ እኹል ክትትል ይገብሩ እዮም፡፡

ሓደ ትካል ን Inburgeren Werkt ብቑዕ ንምኳን ዘለው ቅድመ ኩነታት እንታይ እዮም?

ኣብ ናይ ንግዲ ቻምበር ዝተመዝገቡ ትካላት ጥራሕ ንInburgeren Werkt መሰልጠኒ ትካል ኮይኖም ከገልግሎ ብቑዓት እዮም፡፡ እቲ ትካል ን 9 ኣዋርሕ ብሰሙን 8 ክሳዕ 24 ሰዓት ናይ ስራሕ ልምዲ ከቕርቡ ዝኽእሉን(እቲ ናይ ዓማውል ኣመሓዳሪ እንተድኣ ፈቒዱ ክፍቀድ ይኽእል) ከምኡ ድማ እኹል ክትትል ዘቕርቡ ክኾኑ ይግባእ፡፡

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣስራሒኡ ክትትል ናይ ስራሕ ልምዲ፣ ክእለትን ተወዳዳራይነትን ዓቕሙ የመሓይሽ፡፡ ትምህርቲ እቲ ቀንዲ እዩ፡ እቲ ስራሕ ተወሳኺ እዩ፡፡ ብርግፅ፣ እቲ ኣስራሒ ናይ ጥዕና፣ ድሕንነት ናይ ስራሕ ሰዓት ሕጊ ኣብ ግምት ውሽጢ ከእቱ ይግባእ፡፡

ኣስራሕቲ ን Inburgeren Werkt ብኸመይ የመልክቱ?

ኣብ ሞንጎ ኩነታት ዘለዎን ኣስራሒ እንተድኣ ተጠዓዒሞም፣ እቲ ናይ ከተማ ምምሕዳር ዓማውል ኣመሓዳሪ ነቲ ኩነታት ዘለዎን ኣስራሕን ብዚ ዝስዕብ ከመዝግቦም ይግባእ፡ www.inburgerenwerkt.nl፡፡

ንቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ካብቲ ተሳተፍቲ ከተማታትወፃእ ኣብ ዘሎ ቅርንጫፍ ስራሕ ክህቦ ይኽእል ዶ?

ከባቢ ብዝምልከት፣ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ናይተን ዝተጠቐሳ ከተማታት ነባሪ ጥራሕ ክኸውን ይግባእ፡፡ ናይቲ ትካል ከባቢ ወይ እቲ ስራሕ ዝምደበሉ ቅርንጫፍ ብዝምልከት ገደብ የብሉን፡፡ እቶም ተሳተፍቲ ምምሕዳር ከተማታት ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡፡

እቲ ኣስራሒ ድሕሪ 9 ኣዋርሕ ንቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ክቆፅርዎም ይኽአእሉዶ?

ኣይፋል፣ ምስ Inburgeren Werkt ብምትሕሓዝ ቀፃሊ ናይ ስራሕ ምትእስሳር ከም ዝህሉ መረጋገፂ የለን፡፡ እንተኾነ ግና፣ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ናይ ስራሕ ምደባ እዋን ብዝግባዕ እንተዐዊቱ፣ እቲ ኣስራሒ ብቐፃሊ ክቖፅሮ ወይ ስራሕ ንኽረክብ ምስ ኔትዎርክ ከተሓሕዞ ይኽእል እዩ፡፡

እቲ ኣስራሒ ኣፍልጦ ዘለዎ ናይ ስልጠና ትካል ክኸውን ኣለዎዶ?

ኣይፋል፣ እንተኾነ ናይ ስራሕ ምደባ ስምምዕን ናይ ኣገልግሎት ስምምዕ ብምፍራም፣ እቲ ኣስራሒ ነቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ እኹል ክትትል ንምቕራብ ተሰማሚዑ ማለት እዩ፡፡  ብርግፅ፣ እቲ ትካል ኣብ ናይ ንግዲ ቻምበር ክምዝገብ ኣለዎ፡፡

እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ኩነታት ዘለዎም ክወስድ ይኽእልዶ?

እወ፣ እንተኾነ ግና ኣብቲ ትካል ዘለው ቁፅሪ FTE መሰረት ይገብር፡፡ ኣብ ታሕቲ ንFTE ዝፍቀድ ኩነታት ዘለዎ ተዘርዚሩ እዩ፡፡ እዚ መመርሒ ንኩነታት ዘለዎም እኹል ክትትል ከም ዘሎን ካብ ውዲት ንምክልኻል ይጠቅም፡፡ ሕጂ እውን እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጆ ስራሕ ስራሕ ተዘይረኸበ እቲ ሓድሽ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ተመሳሳሊ ስራሕ ንኽሰርሕ ሰለስተ ወርሒ ክህሉ ኣለዎ ዝብል ሕጊ ሕጂ እውን ዝትግበር እዩ፡፡  እዚ ናይ ስራሕ ምፍንቓል ንምንካይ እዩ፡፡

 

ኣብቲ መሰልጠኒ ትካል ዘለው FTE

ብመደብ Inburgeren Werkt ዝተፈቐደ ቁፅሪ ኩነታት ዘለዎም ሰባት፡፡

1 ክሳዕ 10

2 ኩነታት ዘለዎም

11 ክሳዕ 50

3 ኩነታት ዘለዎም

51 ክሳዕ 100

4 ኩነታት ዘለዎም

101 ወይ ልዕሊኡ

5 ኩነታት ዘለዎም

ንቲ መሰልጠኒ ትካል ዝኽፈል ክፍሊት እንታይ እዩ?

እቲ ትካል ንዝህቦ ስልጠና ዝኾነ ዓይነት ወፃኢ የለን፡፡ ኣብ መደብ Inburgeren Werkt እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ናይ ድሕንነት ጥቕሚ ምቕባሉ ክቕፅል እዩ፡፡ እንተኾነ ግና እቲ ስልጣና ዝህብ ትካል እኹል ክትትል ክገብር ኣለዎ፡፡ 

ንቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ማእኸላይ ደሞዝ ንምንታይ ኣይከፍልን?

ኣብ Inburgeren Werkt፣ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ምስቲ ትካል ናይ ምደባ ስምምዕ ይገብር፡፡  ደሞዝ ክኽፈል ኣለዎ ዝብል ናይ ስራሕ ውዕሊ የለን፡፡ ናይ Inburgeren Werkt ዕላማ ፍሉይ እዩ፡ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ተወዳዳራይነቱን ክእለቱን ብምምዕባል ኣብ መፃኢኡ ኢንቨስት ይገብር ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ብዚ ኣገላልፃ እቲ ኩነታት ዘለዎ ሰብ ልሙድ ሰራሕታኛ ኣይኮነን፣ እኳ ድኣስ ልምዲ ዘለዎ ተምሃሪ፡፡

ከም መሰልጠኒ ትካል ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኣበይ ከመዝግብ ይኽእል?

ክፍቲ ናይ ስራሕ ቦታ ብዚ ሊንክ ኣቢሉይምዝገብ፡፡ ናይ Inburgeren Werkt ኩነታት ኣብ ግምት ንኽተእትው ንሓትት፡፡ ኣብቲ ትምህርትን ክትትልን ትኹረት ግበሩ፡፡ እዞም ነገራት ብዝግባእ ግልፂ እንተዘይኮይኖም ናይ Inburgeren Werkt ኣገልግሎት ክረኽቡኻ እዮም፡፡

Bekijk meer vragen

Bekijk minder vragen

ሳምፕል ስምምዕ

ሳምፕል ስምምዕ

ኣብዚ ናይ Inburgeren Werkt ስምምዕ ሳምፕል ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፡፡

ናይ ስራሕ ምደባ ስምምዕ
ናይ ፈቃድ መረጋገፂ

 

Bekijk meer vragen

Bekijk minder vragen

ናይ ሳምፕል ብቑዕነት

ናይ ሳምፕል ብቑዕነት

Inburgeren Werkt ናይ ተወዳዳራይነት ሞደል ይጥቀም፡፡ ኣብ ታሕቲ ንሕድሕድ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ን Inburgeren Werkt ማእኸል ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ተወዳርነት መለክዒ ትረክብ፡፡

MBO 2 (ካልኣይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ ደረጃ 2)

MBO 4 (ካልኣይ ደረጃ ናይ ሞያ ትምህርቲ ደረጃ 4)

HBO (ላዕለዋይ ሞያዊ ትምህርቲ)

WO (መፅናዕትን ምርምር ዘተኮረ ላዕለዋይ ትምህርቲ)

ዝተቋረፀ ትምህርቲ

Bekijk meer vragen

Bekijk minder vragen